ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ተፋሰስ ጉድኣት ከምዘይብሉ ግብፂ እውን ትፈልጥ ኢያ-ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ተፋሰስ ጉድኣት ከምዘይብሉ ግብፂ እውን ትፈልጥ ኢያ ክብሉ ምሁራን ገሊፆም።

ንመበል ራብዓይ እዋን ዝተሳለጠ ድርድር እቲ ግድብ፥ ግብፂ ነበር ውዕል ባዕዳዊ ግዝኣት ተፈፃሚ ይኹን ብምባላ ብዘይስምምዕነት ምዝዛሙ ይዝከር።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ምሁራን ታሪክን ዲፕሎማሲን፥ ግብፂ ሎሚ እውን  ውዕል ባዕዳዊ ግዝኣት ቀንዲ መደራደሪ ብምግባር ምቕራባ ፈፂሙ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

እቲ ውዕል ኢትዮጵያ ብታሪካ ተግቢራቶ ዘይትፈልጥ፣ ነዚ እዋን ዘይምጥንን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ሓሳብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ግብፂ ነዚ ኣግላሊ ውዕል እተቕርበሉ ምኽኒያት፥ ናይ ዜጋታታ ልቢ ንምግዛእ ዝጥቀሙሉ ቅዋም ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ውዕል ኢትዮጵያ ዘግለለን ብዓለም ለኸ ሕጊ ተቐባልነት ዘይብሉን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ብተስፋዬ መሬሳ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment