ህንፀት ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ብምጥንኻር ልኡኽ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንክዕወት ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማዕርነትን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ህዝብታት ምርግጋፅ ዘኽአል ህንፀት ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ብምጥንኻር ልኡኽ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንክዕወት ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ከብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ኮሚቴ ምትሕብባር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝቐረበሉ ትልሚ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም እቲ ቤት ዕዮ ብምግምጋም እታወት ብምውሳኽ ኣፅዲቑ።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ትፅቢት ዝግበረሉ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ንከበርክት ንመፅናዕቲን ምርምርን ስራሕቲ ሰፊሕ ጠመተ ብምሃብ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ምትሕስሳብን ምፍቕቓድን ዝተደረኸ ሕብረ ብሄራዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ንክጠናኸርን ስርዓት ርክብ መንግስታት ኢትዮጵያ ንክምዕብል ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

 

Comments (0)
Add Comment