ህንፀት ስቪል ስራሕቲ ግድብ ህዳሰ 95 ሚኢታዊት ምብፅሑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ስቪል ስራሕቲ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 95 ሚኢታዊት ምብፅሑ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ግድብ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ተዛሪቦም።

ስነ ስርዓት ምጅማር ምፍልፋል ሓይሊ ካልኣይ ተርባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

እቲ ግድብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብክልተ ዩኒታት ሓይሊ ምፍልፋል ከምዝጀመረ ኢንጂነር ክፍሌ ገሊፆም።

ድሕሪ ለውጢ ኣብቲ ፕሮጀክት መስተኻኸሊ ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓማውቲ ኣብቲ ግድብ ክትከሉ ዝግበኦም ስራሕቲ ሓፂነ መፂን መተሓላለፍቲ ማይ ምዝዛም ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

እቲ ግድብ ክሳብ 141 ሜትሮ ልዕል ንምባል ክልተ ዙር ምምላእ ዝተኽኣለ እንትኸውን ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ከይዲ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ስራሕቲ ፍብረካብ ተኸላን ኤሌክትሮ መካኒካል ናብ 61 ሚኢታዊት ክብ ምባል ከምኡውን ስራሕቲ ሓፂነ መፂን መተሓላለፍቲ ማይ ናብ 73 ሚኢታዊት ክብ ንምባል ከምዝተኽኣለ ኣረጋጊፆም።

ኣፈፃፅማ ህንፀት እቲ ግድብ 83 ነጥቢ 3 ሚኢታዊት ምብፅሑ ብምግላፅ፥ ሓፈሻዊ ስራሕቱ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓማትን ፈረቓን ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment