ህንፀት መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ፕሮጀክት ጫካ ክሳብ ነሓሰ ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ዝተጀመረ ህንፀት ጣቢያ መመሓላለፊ መስመርን ምክፍፋልን ክሳብ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ንምዝዛም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ፕሮጀክት ናብ ክልል ዝሓልፉ መስመራት መተሓላለፊ ምስ ማስተር ፕላን እቲ ፓርክ ብምጥዕዓም መስመራት ናይ ምዝውዋርን ብግዚያዊነት ንቀረብ ሓይሊ ዘገልግል ተንቀሳቓሲ መከፋፈሊ ጣቢያ ተኸላ እናተወገነ ከምዝኾነ እቲ ትካል ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ስራሕቲ ህንፀት ንጫካ ፓርክ ኣቋሪፁ ዝሓልፍ በዓል 132 ኪሎ ቮልት መመሓላለፊ መስመር ኮተቤ – ቤላ ናይ ምዝውዋር ስራሕ ከምዘካትት ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 3 ነጥቢ 9 ኪሎ ሜትሮ ብውሽጢ መሬት፣ 0 ነጥቢ 9 ኪሎ ሜትሮ ናይ ኣየር (ኦቨር ሄድ) ዝርገሐ መስመርን ናይ 0 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ስራሕቲ ምቕያር ኮንዳክተርን ከምዘጠቓልል ገሊፁ፡፡

ካብ ኮተቤ – ኣያት ምስ ዝተዘርገሐ በዓል 132 ኪሎ ቮልት መስመር ፤ 0 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትር ብውሽጢ መሬት ናይ ምቕያር ስራሕ ጎድና ጎድኒ ከምዝስራሕ ምሕባሩ ሓበሬታ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment