ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንዲ ንመመሓየሺ ቁጠባዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብማዕቐፍ ብሪክስ ኣቢላ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኣኒል ኩማር ራኢ ኣረጋጊፆም፡፡
ህንድ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ልምዓትን ካልኦት ርክባትን ንምጥንኻር ብሪክስ ዓብዪ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅአ እውን ፀሪሖም፡፡
ብሪክስ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዕቤተን ንምቅልጣፍን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘሎ ኣሰላልፋ ብምስትኽኻል ሚዛን ንምሕላው ከምዝሕግዝ ብምግላፅ፤ ሃገሮም ብብሪክስ ኣቢሉ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ድሌተን ንምምላእ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ዘላቒ ቁጠባዊ ሃፍቲ ብምህናፅ ምዕባለ ንምርግጋፅ እናወገነቶ ትርከብ ሪፎርም ፤ ህንዲ ብማዕቐፍ ብሪክስ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡