ህንዲ ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ 45 ዜጋታታ ኣስከሬን ካብ ኲዌት ወሲዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ህንዲ ኣብ ህንፃ ኲዌት ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ 45 ዜጋታታ ኣስከሬን ናብ ሃገሮም ወሲዶም።

እቲ ሓደጋ ሓዊ ዘጋጠመ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ኲዌት ከተማ ማንጋፍ 176 ህንዳውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝነብሩሉ ህንፃ ከምዝኸነ ተገሊፁ።

ሰብ መዚ ኲዌት በቲ ሓደጋ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ብምግላፅ፥ 45 ካብ ህንዲ፣ 3 ካብ ፊሊፕኒስ ከምኡውን ናይቶም ክልተ ኣድራሸኦም ከምዘይተረኸበ ተዛሪቦም።

በቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንፃ ዝነብሩ ብዙሓት ህንዳዊያን ብምዃኖም ንሞትን መጉዳእቲን ምቅልዖም ዩፒአይ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment