ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩለ መዳይ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሮበርት ሼትኪንቶንግ ገሊፆም።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀኔራል ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኤዥያን ፓስፊክን ኣምባሳደር ዶክተር ገበየሁ ጋንጋን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያን ናይ መፍላጥ መድረኽ ተኻይዱ።
እቲ መድረኽ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝፍፀሙ ስራሕቲ ብዝበለፀ ንምፍፃም ዘኽእል ኩነታት ምምችቻው ትኹረት ዝደሊዩ ጉዳያት ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣምባሳደር ዶክተር ገበየሁ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ኣብቲ መድረኽ መብርሂ ሂቦም።
ውሽጣዊ ኩነታትና ኩለ መዳይ ዘተ ብምክያድ ብሄራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ዘኽእል ሰፊሕ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ሰላም ንምንጋስ ብዙሓት ፃዕሪታት ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ካብዚ ሓሊፉ ዝተወሰደ ውሳነ ደው ምባል ተኹሲ ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።
ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ በግደኦም፥ ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩለ መዳይ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።