ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዘይ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣይፀንዕን – ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዘይ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣይፀንዕን ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

መሪሕ ሓሳብ መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣገኘሁ ኣብቲ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት መሰረት ኢዩ፤ ሓበራዊ ተረኻት ተኣሳሲሮምን ተዋሂዶምን እንትፈሱ ሕብረብሄራዊ ሓድነትን ይሃንፁ” ኢሎም።

“ናይዚ ዓመት በዓል እንትነኽብር ሓድነትን ምትእስሳርን ህዝቢታት ክረጋገፅ ብምግባር ከምኡ እውነ ሰላምን ሓድነትን ሃገር ተሓሊዩ ምስ ሙሉእ ናፅነታ ንቀፃሊ ወለዶ ክመሓላለፍ ጠንኪርካ ብምስራሕ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 18 ዓመታት እቲ በዓል እንትኽበር ህዝቢታት ሒዞምዎ ዝፀንሑ ሓድነት ንኸፅንዑን ሓበራዊ ክብሪታቶም ከደንፍዑን ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ገሊፆም፡፡

ናይዚ ዓመት በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ÷ “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ ክኽበር ኢዩ።

ብዙፋን ካሳሁንን ወንድሙ ኣዱኛ

Comments (0)
Add Comment