ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ብምጥንኻር ሃገራዊ ማሕለኻታት ብዓወት ክንሳገር ኢና – ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣቢያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ብምጥንኻር ሃገራዊ ማሕለኻታት ብዓወት ክንሳገር ኢና ክብሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣቢያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ ገሊፆም።

እቶም ኣመራርሓታት “ብዘላቒ ዓወት ናብ ምዕባለ ከምኡ እውን እርማት ምዝባዕ ድሕረ ኲናት” ብዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ንክልተ መዓልቲ ዝገበሩዎ ዘተ ተዛዚሙ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብ መዛዘሚ እቲ ልዝብ ከምዝገለፁዎ፥ ኢትዮጵያ ብናይ ውሽጢ ዓዲን ሓያላት ሃገራት ወፃን ካብ ዘንፀላለዋ ሓደጋ ህልውና ብመላእ ኢትዮጵያውያን ርብርብ ብዓወት ክትዋፃእ ከምዝኸኣለት ገሊፆም፡፡

ከም ሃገር ብዝተሰርሐ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ንዝበላ ሃገራት ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ዝተረኸበ ዓወት ዘተኣማምንን ዘላቒን ንምግባር ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ወፃኢ ኣብ ሕሕድ ጎንፂን ናይ ምጥቕቓዕ ዘዙረት ንምእታው ዝደልዩ ሓይሊታት ብንቕሓት ብምክትታል እኩይ ሽርሒ ንምፍሻል ኣካላት ፀፅታን መላእ ሕብረተሰብን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ብግደኦም፥ ኣብ ከይዲ እቲ ኲናት ኢትዮጵያ ሰዓሪት ምዃና፣ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልላትን ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ምስረሖም፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን መላእ ህዝቢ ብሓባር ደው ብምባል ኢትዮጵያ ንኽትስዕር ንዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሃገራዊ መድረኽ ምይይጥ በዚ ተቓኒዩ ምክያድ ከምዝግባእ ኢዮም እቶም ኣፈ ጉባኤ ዝሓበሩ፡፡

ኣብ መድረኽ ዘተ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ሃገራዊ ዕንቅፋታት ንምስጋር ብዘኽእል ብርኪ ንምስራሕ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ኣብ ሓበረዋ ቅዋም በፂሖም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ጉዳያት ዝተረፉ ኣባላትን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፅሕፈትን እቶም ኣቢያተ ምኽሪ ልዘስብ ከምዝገብሩ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment