ህልውና ግድብ ህዳሰ ንምሕላው ኩሉ ሰብ ኣብ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፍጥሮ ርብርብ ክገብር ከምዝግባእአ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህልውና ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምሕላው ኩሉ ሰብ ኣብ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፍጥሮ ርብርብ ክገብር ከምዝግባእአ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣገኘሁ ተሸገር ኣተሓሳሲቦም።

ቢሮ ሕራሻ ክልል ኣምሓራ፥ ስራሕቲ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዓመተ 2013፤ ከም እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝተሰርሑ ኣፍልጦ ዝወሃበሉ መድረኽ ወፍሪ ኣብ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር፥ ግድብ ህዳሰ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ንህልውንኡ ምሕሳብ ግቡእ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ግድብ ብደለል ከይመልእ ስራሕቲ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፅሬትን ብስፍሓትን ምክያድ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ዶክተር መለሰ መኮንን፥ ኣብዚ ዓመት ኣብ ስራሕቲ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሳተፉ ኣካላት እቲ ስራሕ ዘላቒ ንኽኸውን ትኹረት ሂቦም ንኽሰርሑ ምሕታቶም ኤመሓኣ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment