ሃፍቶም ብትኽክል ምምዝጋቦም መረጋገፂ ካብ ሞንጎ ዝተሰርሐሎም ኣካላት እቶም 47 ሚኢታዊ ዝኾኑ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2013 ሃፍቶም ብትኽክል ምምዝጋቦም መረጋገፂ ካብ ሞንጎ ዝተሰርሐሎም መመዝገብቲ ሃፍቲ እቶም 47 ሚኢታዊ ዝኾኑ ዘመዝገቡዎ ሓበሬታ ሃፍቲ ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል፥ ብመሰረት ኣዋጅ ምፍላጥ ሃፍቲን ምዝገባን ቁፅሪ 668/2002 ዓንቀጽ 11 ዝተመዝገበ ሃፍቲ ትኽክለኛ ሓበሬታ ንኸረጋግፅ ስልጣን ተዋሂቡዎ ኢዩ፡፡

ብምዃኑ እውን እቲ ኮሚሽን ኣብ በጀት ዓመተ 2013 ንግዕዝይና ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ዘፈራት ዝሰርሑ 386 ኣመዝገብቲ ሃፍቲን ስድረቾምን ስራሕቲ ምርግጋፅ ልክዕነት ምዝገባ ሃፍቲ ምስርሑ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚኣብቲ በጀት ዓመት ካብ ሞንጎ ስራሕቲ ምርግጋፅ ልክዕነት ሓበሬታ ሃፍቲ ዝተኻየደሎም ኣመዝገብቲ እቶም 47 ሚኢታዊ ዝኾኑ ዘመዝገቡዎ ሃፍቲ ልክዕለንት ዝጎደሎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

መብዛሕተኦም ኣመዝገብቲ ሃፍቲ ኣብ ዘመዝገቡዎ ሃፍቲ ዝተወሰነ ኣፈላላይ ዝተርኣየሎም ስለዝኾኑ ናይ ፅሑፍ መጠንቐቕታ ተዋሂቡዎም ንኸመዓራርዩ ከምዝተግበረ ተገሊፁ፡፡

13 ኣመዝገብቲ ሃፍቲ ድማ ኣብ ሞንጎ ዘመዝገቡዎ ሃፍቲን ዘለዎም ሃፍቲን ዘሎ ኣፈላላይ ልዑል ብምዃኑ ብሕጊ ንምሕታት ንተወሳኺ ምርመራ መረዳእተኦም ናብ ኣካላት ፍትሒ ከምዝተለኣኸ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment