ሃፍቲ ማይ ብዝግባእ ብምጥቃም ብብቕዓት እንትንመርሕ ንጎረባብቲ ሃገራት ምዕባለ እንሕግዘሉ ኢዩ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃፍቲ ማይና እንትንሕሉን ብብቕዓት እንትንመርሕን ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ምርግጋእን ምዕባለን እንሕግዘሉ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ዘሰናደኦ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሃድሮሜት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ንዓለም እናፈተነ ዝርከብ ክሌማዊ ለውጢ ጉድኣት ምስበፅሐ ዘይኮነስ ስራሕቲ ቅድመ ምክልኻልን መጠንቀቕታን ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

እዚ ንምዕዋት ድማ ብይንስን ምርምርን ዝተደገፈ ቅልጡፍ ምላሽ ትፅቢት ገምዝግበር ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተሰርሐ ተፈጥሮ ናይ ምስትኽኻል ተግባር ኣብ ወሓዝቲ ሩባታትን ተፋሰሳት ማይን ዘዕግብ ውፅኢት እናተረኀበ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ንኣብነት ድማ ምውሳኽ ማይ ከርሰ ምድሪን ምንካይ ተቓላዕነት ሓደጋ ውሕጅን ፀሪሖም።

ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሚኒስትራት፣ ካብ ውሽጢ ሃገር፣ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ህንዲን ዝመፅኡ ሓለፍቲ እቲ ዓውዲ፣ ምሁራንን ሰብ ሞያን ተረኺቦም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment