ሃፍቲና ብግቡእ ብዘይምፍላጥና ኣብ ንግዲ ወፃኢ ክንረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ኣይረኸብናን – ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ ሃፍቲ ብግቡእ ክነፋልጥ ብዘይምኽኣልና ኣብ ንግዲ ወፃኢ ክንረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ኣይረኸብናን ክብሉ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ጎድና ጎድኒ “ናይ ኢትዮጵያ የዓድጉ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ምስ ዝርከብ ሰሙን ንግዲ÷ ወፃኢ ንግዲ ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ተዋሳእቲ ዘፈር ውልቀን ፓናል ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን÷ “ሃፍቲና ብግቡእ ብዘይምፍላጥና ኣብ ንግዲ ወፃኢ ክንረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ኣይረኸብናን” ኢሎም፡፡

“ንግዲ ወፃኢ ካብ ምፍራይ ይጅምር፤ ኣብ ጉዳይ ፍርያት ወፃኢ እንታይ፣ መዓዝን ብኸመይን ምፍራይ ከምዝግባእ ምፍላጥን ብመጠን፣ ብፅሬትን ብዋጋ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ምዃን ትፅቢት ይግበረና” ኢሎም፡፡

ፍርያት ብበዝሒን ብፅሬትን ብፍምራይ ሰፊሕ ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣር ተወዳዳራይነት ዓውዲ ንግዲ ወፃኢ ምዕባይ ከምዝግባእ እውን ተገሊፁ።

ብታሪኩ ወልደሰንበት

Comments (0)
Add Comment