ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)”ሃገር ካብ ክብራ ትሕት ከይትብል፣ ብዝነበረቶ ኩርዓት ክትቅፅል ንምግባር ዝተዳለኹም ናይ ቁርፂ መዓልቲ ውላድ ኢትዮጵያ ኢኹም” ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።
ናይ ብርሸለቆ ወታደራዊ መሰልጠኒ ቤት ትምህርቲ ን34 ግዘ ዘሰልጠኖም ወታደራዊ ሰልጠንቲ ኣመሪቑ።
እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ከምኡውን ናይ ሃገር መከላኸሊ ሰራዊት ላዕለዎት መኮንናት ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ተኻይዱ።
ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ ምረቓ ስነ-ስርዓት ከምዝበሉዎ፥ “ሃገር ካብ ክብራ ትሕት ከይትብል፣ ብዝነበረቶ ኩርዓት ክትቅፅል ንምግባር ዝተዳለኹም ናይ ቁርፂ መዓልቲ ውላድ ኢትዮጵያ ኢኹም” ኢሎም፡፡
ካብ ኩሉ ንላዕሊ መግለፂ ፍቕሪ ሃገር ዝኾነ ሙያ ውትድርና መሪፆም ንዝተፀምበሩ ኣባል ክኾርዑ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም፡፡
“ሃገር በኣኹም ፃዕሪ ተሓፊራን ተኸቢራን ክትዘልቕ ኢያ” ክብሉ ገሊፆም፡፡
ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ተመረቕቲ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህሓት ንምጥፋእ ዘብዒ ኮይኖም ደው ምስ ዝበሉ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ተዋዲዶም ሓዱሽ ታሪኽ ከምዘመዝግቡ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡
ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሚኒስቴር ምክልኻ ፌዴሪኢ ሌፍትናል ጀኔራል አሥራት ዴኔሮ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ዝተፈተነትሎም እዋን ኩሉ ብዓወት ከምዝዛዘመት ገሊፆም፡፡
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጅግና ምዃኑ ፀላእትና ይፈልጡ ኢዮም ዝበሉ ሌፍትናል ጀኔራል አሥራት ዴኔሮ፥ ኣብ ውሽጢን ወፃን ዘኹርዕ ቃልሲ ፈፂሙ ኢዩ ኢሎም፡፡
“ህዝቢ ኢትዮጵያ ንነኸስቲ ጡብ ክሳብ መወዳእታ ንምፍናው ብሓድነት ኣብ ዝቖመሉ እዋን፥ ክቡር ንዝኾነ ሞያ ውትድርና ስለዝተፀምበርኩም ኮሪዕና ኢና ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ናይ ሁርሶ ወታደራዊ ኮንቲንጀት መሰልጠኒ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ብተመሳሳሊ ምምርቑ ብምዝኽኻር ግዜኢ ፀብፂቡ።
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።