ሃገር ኣብ ውሽጢ ፈተናታት ኮይና ዘሳለጠቶም ሮጀክታት ብግቡእ ተሰኒዶም ንዝቕፅሉ ፕሮጀክታት መምሀርቲ ክኾኑ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ካብ መጋቢት ክሳብ መጋቢት” ኣብ ዝተብሃሉ ካብ 2010-2013 ዝተሰርሑ ሃገራዊ ከይዲታት ኣብ ዝድህስሱ ሰለስተ ተኸታተልቲ መፃሕፍቲ ዝጠመተ ልዝብ ተኻይዱ።

ራብዓይ መዓልቲ ኣብ ዝሓዘ ኣብ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት “ቃል፤ ተግባር፤ ወለዶ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝርከብ ዓውደ ምርኢት መፃሕፍቲ ”ካብ መጋቢት ክሳብ መጋቢት” ኣብ ዝተብሃሉ ካብ 2010-2013 ዝተወገኑ ሃገራዊ ከይዲታት ኣብ ዝድህስሱ ሰለስተ ተኸታተልቲ መፃሕፍቲ ዳህሰሳስ ዘተ ተገይሩ።

ኣብ ዳህሳስ እቶም መፃሕፍቲ ሚኒስትር መዓድን ኢንጅነር ሃብታሙ ተገኝ፣ ዋና መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮን ሓረስታይ ኣሸናፊ ኣያሌውን ኣብ ዙሪያ እቶም መፃሕፍቲ ሓሳቦም ኣካፊሎም።

ኢትዮጵያ ፕሮጀክታት ኣብ ምፍፃም ዝረኸበቶም ዓወታትን ዘጋጠሙዋ ፈተናታትን መበገሲ እቶም መፃሕፍቲ ብግቡእ ዝተዳህሰሱ እንትኾኑ÷ ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት ኣቐዲምካ ሽቶ ካብ ምሕንፃፅ ጀሚሩ ውፅኢት ጋህዲ ንኽኸውን ብቖራፅነት ምስራሕ ዘምሀሩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ  ኣብ ዝተሳለጡ ፕሮጀክታት ይኹን ኣብ ካልኦት ፕሮጀክታት÷ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ ጥብቂ ክትትል ምግባሩ እቲ ውፅኢት ንኽርከብ መበገሲ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ሃገር ኣብ ውሽጢ ፈተናታት ኮይና ዘሳለጠቶም ሮጀክታት ብግቡእ ተሰኒዶም ንዝቕፅሉ ፕሮጀክታት መምሀርቲ ክኾኑ ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ዘተ ተመልኪቱ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment