ሃገር ኣቋራፂ መገዲታት ሰላማዊ ምንቅስቓስ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ኣቋራፂ መገዲታት ሰላማዊ ምንቅስቓስ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌደራል ም/ኮሚሽነር ጄነራል መላኩ ፋንታ ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዓበይቲ መገዲታት ዘተኣማምን ሓለዋ እናተገበረ ይርከብ፡፡

ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ናብ ባህርዳር፣ ሰመራ፣ ጅቡቲ፣ ሞያሌ፣ ነቀምቴ፣ ደምቢዶሎ፣ ጋምቤላ፣ ጅግጅጋን ካልኦት ከተማታትን ዘምርሑ መገደኛታት ድሕንነቶም ንምሕላው ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ-ባህርዳር፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ-ሰመራ -ጅቡቲን ኣብ ካልኦት መገዲታትን ሓለሓሊፉ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ልፎ አልፎ ፀገም ይፈጥሩ ከምዝነበሩ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፖሊስ ፌዴራል ምስ ሰራዊት ምክልኻን ሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ብምውዳድ ብዝሰርሖ ስራሕ ቀንዲ ቀንዲ ሃገር ኣቋራፂ መገዲታት ሰላማዊ ምንቅስቓስ እናተገበረሎም ይርከብ ኢሎም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment