ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ 29 ለካቲት 2013 ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ 29 ለካቲት 2013 ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ካብ 22 ክሳብ 24 ለካቲት 2013 ዓ.ም ዲጂታል መስታወቂያ ከምዝከፋፈል እውን ገሊፁ።

ገለፃ እቲ ፈተና 26 ለካቲት ተኻይዱ እቲ ፈተና ካብ 29 ለካቲት ክሳብ 2 መጋቢት 2013 ዓ.ም ከምዝወሃብ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

ብቐጥታ (ኦንላይን) ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ ዝነበረ እቲ ፈተና፥ ብወረቐት ከምዝወሃብ እውን ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣወሃህባ ፈተና ንዝተፈጠረ ምድንጓ ድማ እቶም ሚኒስትር ይቅርታ ሓቲቶም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment