ሃገር ለኸ ዓውደ ምርኢትን ባዛርን ሞዴል ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ኢንተፕራይዛት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ዓውደ ምርኢትን ባዛርን ሞዴል ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ኢንተፕራይዛት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ተጀሚሩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ ዓውደ ምርኢትን ባዛርን 181 ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ኢንተርፕራይዛት፣ 10 ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ሸሞንተ ትካላትን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ክሳብ 15 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝፀንሕ ውደ ምርኢትን ባዛርን 22 ሺሕ ዝኾኑ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዑደት ክግበረሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ኢንተርፕራይዛት ፍርያቶምን ኣገልግሎታቶምን ብፅሬትን ፍርያትን ዝበፅሑሉ ብርኪ ንተረባሕቲ ዘፋልጡሉን ዕድል ምትእስሳር ዕዳጋ ዝፈጥሩሉን ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ነቲ ዓውደ መርኢትን ባዛርን ዝኸፈቱ፥ ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ስራሕን ምውፋር ስራሕ ዕዳጋን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁንን ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ቴክኒክን ሞያን ዶክተር በከር ሻሌን ኢዮም፡፡

ብኤፍሬም ምትኩ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment