ሃገር ለኸ ውድድርን ፌስቲቫልን ባህላዊ ስፖርት ኣብ ሚዛን ኣማን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 20 ሃገር ለኸ ውድድርን ፌስቲቫልን ባህላዊ ስፖርት “ባህላዊ ስፖርት ንሓድነትናን ሰላምናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከተማ ሚዛን ኣማን ተጀሚሩ።

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ውድድራት ባህላዊ ስፖርትን ባህላዊ ፌስቲቫላትን ንህንፀት ሃገር ዕዙዝ ኣስተዋፅ ኣለዎም ኢሎም፡፡

እቲ ውድድር ንህንፀት ምስሊ ሃገር ካብ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ሓሊፉ ምትሕብባር ብምጥንኻር ባህሊ ብሄር ብሄረሰባት ንወለዶ ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ እውን ገሊፆም፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ፥ ዘኹርዕ ባህሊ ደቂ ሰባት ንምሕላው፣ ናብ ዝቕፅል ወለዶ ንኽሰጋገርን ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ብዝሃ ብሄረሰባት ሓድነቶም ንምጥንኻርን ብዝተዋደደ መልክዑ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም፡፡

መበል 20 ሃገር ለኸ ባህላዊ ውድድርን መበል 16 ፌስቲቫልን ባህሊን ክሳብ 3 መጋቢት 2015 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ትካል ሬዲዮን ቴሌቪዥንን ደቡብ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment