ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ከንባታትን ዘፈር ውልቀን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ከንባታትን ዘፈር ውልቀን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

“ማሕለኻታት ዝፃወሩ ትካላት፤ ብኢንተርፕራይዛት ዝተቓነየ ተግባር ንምንቕቓሕን ምዕባለን ከተማታት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እቲ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ ኮንፈረንስ ድማ ከንቲባታትን ኣንቀሳቐስቲ ንግዲን ተረኺቦም፡፡

ከም ኢትዮ-ጅቡቲ ዝበሉ መሰረተ ልምዓት ንግዲን መስመራት ቁጠባዊ ሃፍቲን ኣጠናኺካ ብምጥቃም ንምዕባለ ዘበርክቱዎ ኣስተዋፅኦ ምድንፋዕ ከምዝግባእ ኣብቲ ኮንፈረንስ ተላዒሉ፡፡

እቲ ኮንፈረንስ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕራትን ንግዲን ኢትዮጵያ፣ ቤት ምኽሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን ፓን ኣፍሪካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ዘሰናድኡዎ ኢዩ፡፡

ብምንይችል ኣዘዘው

Comments (0)
Add Comment