ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ኢዩ።

እቲ መድረኽ “ንኹልና እትጥዕም ኢትዮጵያ ብሓባር ንፍጠር” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኮሚቴ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ዘዳለውዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብዛ ሃገር ዝፍጠሩ ፀገማት ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ኮይንኻ ብምዝርራብ ምፍታሕ ከምዝከኣል ንምርኣይ ዓሊሙ ዝተዳለወ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ሃገራዊ ምርድዳእ ንክህሉን ዘላቒ ሰላም ንምፍጣርን ዓሊሙ ንዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣካቢት እቲ ኮሚቴ ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ኣብሪሀን።

ኣብቲ ፅባሕ ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም፣ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ኮንፈረንስ፥ 6 ሺሕ ሰባት ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ተወከልቲ ትካላት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ተወከልቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ መናእሰይን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብቲ ኮንፈረንስ ክሳተፉ ኢዮም።

Comments (0)
Add Comment