ሃገር ለኸ ቅብብል ሽግ ፓሪስ ኦሎምፒክ 2024 ኣብ መቐለ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ዝካየድ ፓሪስ ኦሎምፒክ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገር ለኸ ቅብብል ሽግ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ÷ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን ካልኦት ኣመራርሓታትን ተረኺቦም።

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ንዝካየድ መበል 33 ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኣቐዲሙ ምንቕቓሕ ንምፍጣር ዝዓለመ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣትሌት ደራርቱ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ እቲ ሽግ ኦሎምፒክ ናብ ኩለን ክልላት ጉዕዞ ምስገበረ ሓምለ

6 ሓምለ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍፃምኡ ከምዝገብር ኣብሪሀን፡፡

“ንኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ዘፀውዑ ብዙሓት ኣትሌታት ካብ ክልል ትግራይ ወፂኦም ኢዮም” ዝበላ እተን ሓጋዚት ኮሚሽነር÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ተተካእቲ ንምፍራይ ምስ ኮሚሽን ስፖርት እቲ ክልል ብምቅርራብ ከምዝስራሕ ኣፍሊጠን።

ኦሎምፒክ ሰላም፣ ፍቕሪን ሓንድነትን ዝንፀባረቐሉ ብምዃኑ እቲ ሽግ ኦሎምፒክ ኣብ መላእ እታ ሃር እንትዘዋወር ሓድነት ኢትዮጵያ ዝጥንክረሉ ክኸውን ከምዝግባእ ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment