ሃገር ለኸ ሶፍት ዌር መተግበሪ ካዳስተር ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕጋዊ ስርዓት ካዳስተር ቅልጡፍን ምዕሩይን ብዝኾነ መልክዑ ንምትግባር ዘኽእል ሶፍት ዌር ኣብ ኣዳማ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ሴክተር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ተመሪቑ።

ብኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝተሰርሐ እቲ ሶፍት ዌር፥ መሰል ትሕዝቶ ዜጋታት ኽረጋገፅን ኣብቲ ዓውዲ ዝረአ ዝተሓዋወሰ ኣሰራርሓ ግልፂ፣ ቅልጡፍን ዘተኣማምንን ሰንምግባር ልዑል ግደ ኣለዎ ተባሂሉ።

እቲ መተግበሪ ሶፍት ዌር፥ ደቂኣንስትዮ ሚኒስትራት ዝተፈላለዩ ሚኒስቴር ኣቢያተ ዕዮን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኢየን መሪቐንኦ።

ምስ መሬትን ካልኦት ጉዳያትን ተተሓሒዞም ይረኣዩ ዝነበሩ ብልሹዋት ኣሰራርሓታትን ምንግልታዓትን ክተርፉ ዝገብር መተግበሪ ስለዝኾነ፥ ቀልጢፉ ናብ ተግባር ክኣቱ ከምዝግባእ ድማ እተን ሚኒስትራት ኣገንዚበን።

ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር አይሻ መሀመድ፥ ከተማታት እቲ ሲስተም ንምጅማር ምድላው ከምዝግበርን ብቕልጡፍ ናብ ሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምገባር ከምዝስራሕን ገሊፀን።

ሕብረተሰብ እቲ ኣሰራርሓ ምፍላጥ ንኽጅምር ስራሕቲ መዕበዪ ግንዛበ ከምዝስርሑ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስተራክሽንን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment