ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ኣፈ ጉባኤታት ኣብ ባህርዳር ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ኩለን ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታትን ዝተፈላለዩ ኣባላት ቤት ምኽሪን ዘካተተ ዘተ ኣፈ ጉባኤታት ኣብ በህርዳር ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ወይዘሮ ፋንቱ ተስፋዬ፤ ንተሳተፍቲ ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ክልልን ኣፈ ጉባኤታት ኣመሓደርቲ ከተማን ናይ እንኳዕ ዳሓን መፃእኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

እተን ኣፈ ጉባኤ÷ እቲ መድረኽ ኢትዮጵያዊያን ካብ ጥንቲ ሒዞምዎ ዝፀንሑ ናይ ህዝብታት ምፍቅቓር፣ ምምኽኻርን ምድግጋፍን ፀጋታት ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

በቢክልሉ ዝርከቡ ተወከልቲ መንግስቲ ብፍላይ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ከክልላት ምስ ዝርከቡ ህዝብታት ብምቅርራብ ሓበራዊ ፀጋታቶም ኣብ ምጥንኻር ኣስፊሕኻ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፀን፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ወራር ምሉእ ብምሉእ ንምምካትን ዝማዕበለት ሃገር ብምትሕብባር ንምህናፅን ዝፀንሐ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ኣተናኺርካ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ወሲኸን ተዛሪበን፡፡

ኣፈ ጉባዔ ቤት ምኽር ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ብግድኦም÷ ቀንዲ ዕላማ እቲ ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ኣፈ ጉባኤታት፤ ምቅርራብን ምፍቅቓርን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻርን ብሓባር ሃገር ንምህናፅን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment