ሃገር ለኸ መዓልቲ ሰበኽ ሳግም ኣብ ከተማ ኣዳማ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 18 ሃገር ለኸ መዓልቲ ሰበኽ ሳግም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣዳማ ይኽበር ኣሎ።

“ልምዓት ሰበኽ ሳግም ንሃገራዊ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኸበረ ኣብ ዝርከብ መበል 18 መዓልቲ ሰበኽ ሳግም፥ ተቓላዕነት ድርቂ ሰበኽ ሳፈግም ብሓባር ብምክልኻል ዘለቃቒ ልምዓት ብምርግጋፅ ሃገራዊ ምዕባለ ምቅልጣፍ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ልዝብ ክግበር ኢዩ፡፡

ናይዚ ዓመት መዓልቲ ሰበኽ ሳግም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ብዝበለፀ ምቅርራብ ብዝፈጥሩ መርሃ ግብሪታት ከምዝኽበር ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር እቲ ሚኒስቴር ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ትማሊ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ብብርኪ ሃገር ናብራ ማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ንምምሕሸያሽ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፀን ኢየን።

ፖሊሲ ሰበኽ ሳግም ፀዲቑ ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡

እቲ በዓል ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ካብ መላእ ክፋል እታ ሃገር ዝመፅኡ ተወከልቲ ሰበኽ ሳግም፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት፣ ተወከልቲ ኣብ ከባቢ ሰበኽ ሳግም ዝርከባ ዩኒቨርሲታት፣ ሰብ ሃፍቲን ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ብድምቀት እናተኸበረ ዝርከብ፡፡

ብታሪኩ ለገሰ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment