ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ዘተ ውፅኢታዊ ንክኸውን ዲያስፖራ ግድኡ ንክዋፃእ ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ፃውዒት አቻቕሪቡ።
“ኣብ ሃገራዊ ዘተ ግደ ዲያስፖራን ተመክሮ ካልኦት ሃገራትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዑ ምክትል ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት መሓመድ ኢድሪስ፥ እቲ ሃገራዊ ዘተ ናፃን ገለልተኛ ብዝኾነ መገዲ ንክፍፀም ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዘተ ምግባር ኣድሊዩ ኣሎ ኢሎም።
ሃገራዊ ዘተ ውፅኢታዊ ንክኸውን ዲያስፖራ ግድኡ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ማሕበረሰብ ዳያስፖራ “ኣነ ንሃገረይ፣ ሃገረይ ንዓይ” ብዘብል መሪሕ ቃል ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ንምውፃእ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ብይስማው ኣደራውን ኣወል ኣበራን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።