ሃገራዊ ዘተ ንኹሉ ብዝሓቁፍን ዘሳትፍን መገዲ ንክውገን ፃዕሪ ይግበር ኣሎ –  መስፍን ኣርአያ(ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ዘተ ንኹሉ ብዝሓቁፍን ዘሳትፍን መገዲ ንክውገን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርአያ(ፕ/ር) ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ምስ ፌዴሬሽን ማሕበር ጉድኣት ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ኣዳማ ዘተ ኣሳሊጡ።

መስፍን ኣርአያ (ፕ/ር)፥ እቲ ሃገራዊ ዘተ ንኹሉ ክፋል ማሕበረሰብ ብዘካተተ መገዲ ንምክያድ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ነዚ ክበሃል እቲ ኮሚሽን ምስ ፌዴሬሽን ማሕበር ጉድኣት ኣካል ኢትዮጵያ ዝዝተየሉ መድረኽ ምስንድኡ ተዛሪቦም።

ዜጋታት ጉዱእ ኣካል ንክኾኑ ካብ መንጎ ዝገብሩ ፀገማት ምዝራግ ሰላምን ኲናትን ምዃኑ  ብምሕባር፥ መንጋስ ሃገራዊ ሰላም ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment