ሃገራዊ ዓቕሚ ፋይናንስ ናህሪ ዕዳጋ ከረጋግዕ ብዘኽእልን ዕድል ስራሕ ብዝፈጥርን ዓውዲታት ምውዓል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ዓቕሚ ፋይናንስ ናህሪ ዕዳጋ ከረጋግዕ ብዘኽእልን ዕድል ስራሕ ብዝፈጥርን ዓውዲታት ምውዓል ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝነበሮም በዓል ሞያ ኢኮኖሚ ኣቡሌ መሃሪ (ዶ/ር) ፥ ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ብዘሎ ናህሪ ዋጋ መኽኒያት ሰባት ገንዘቦም ኣብ ባንኪ ካብ ምቕማጥ ወይ ኣብ ምፍራይ ካብ ምውዓል ካልኦት ኣማራፅታት እንትጥቀሙ ይረአ ኣሎ።

ዓቕሚ መዋእለ ንዋይ እዛ ሃገር ፈለማ ናህሪ ዋጋ ኣብ ዘረጋግዑ ዓውዲታት ክውዕል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሰብ ሃፍቲ ገንዘቦም ኣብ ባንኪ ብምእታው ዝረኽብዎ ትርፊ ኣዝዩ ንኡተይ ካብ ምዃኑ ዝብገስ ገንዘቦም ካብ ባንኪ ብምውፃእ ክብሪ ኣብ ዝውስኹ ዛዕባታት ንምውዓል ከምዝግደዱ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ገንዘቦም ቀዋሚ ንብረት ኣብ ዝኾነ ንኣብነት መኪና፣ ገዛን ዝኣመሰሉን ብምውዓል ነዚ ብምግልብባጥ ትርፊ ምርካብ ሕርየኦም ከምዝገበሩ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ባንኪታት ሕፅረት ገንዘብ ስለዘጋጠመን ንምልቃሕ ከምዝተፀገማ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ብብርኪ ሃገር ዘሎ ውሱን ፋይናንስን ዓቕሚ ኢንቨስትመንትን ናህሪ ዕዳጋ ከረጋግዑ ኣብ ዘኽእሉ፣ ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጥሩን ሸርፊ ወፃኢ ከርክቡ ኣብ ዘኽእሉን ዓውዲታት ምውዓል ንዘጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታት ኢኮኖሚ ንምስጋር ከምዘየኽእል ምዒዶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment