ሃገራዊ ኮንፈረንስ ምርምር ኣብ ዩንቨርስቲ ወላይታ ሶዶ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ታሽዓይ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ምርምር ኣብ ዩንቨርስቲ ወላይታ ሶዶ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ “ኣብ ሳይንሳዊ ምርምር ዘላቒ ምዕባለ ምርግጋፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር መስፍን ቢቢሶ፥ በምርምር ዝተረኸቡ ውፅኢታት ምክፋልን ልውውጥ ልምዲ ምግባርን ዕላማ እቲ ኮንፈረንስ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዩንቨርስቲ 170 ምርምራት፣ 60 ፕሮጀክትታት ኣገልግሎት ማሕበረሰብ፣ 10 ስራሕቲ ሽግግር ቴክኖሎጂ ከምዝተፈፀሙ ገሊፆም።

ኣብ ዩንቨርስቲ ወላይታ ሶዶ ዝተሰርሑ ውፅኢታት ቴክኖሎጂን ስራሕቲ ምርምርን ብተሳተፍቲ ዑደት ዝተገበረሎም አንትኸውን፥ እቲ ኮንፈረንስ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ክፀንሕ ኢዩ።

ብመለሰ ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment