ሃገራዊ ኮንፈረንስ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮንፈረንስ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ “ሚዲያታትን ንዘላቒ ሰላምና” ዘብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስቴር ሰላም ምስ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብምትሕበባር ኣብ ዘዳለውዎ እቲ መድረኽ፥ ሰብ ሞያ ፌዴራል፣ ክልላት፣ ዞባን ወረዳን ይሳተፉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ መሓመድ እንድሪስ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓድነትን እነማዕብለሉ እንበር ንዘይተደለየ ተግባር እንጥቀመሉ ክኸውን ኣይግባእን ኢሎም።

ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱአለም ብግደኦም፥ መራኸቢ ሓፋሽ ብዙሕነት ሓሳብ ክብ ብምባል ዓይንን እዝንን ህዝቢ ብምዃን ግዕዙይ ኣሰራርሓ ንምቕራፍ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ብዘረያቆብ ያቆብ

Comments (0)
Add Comment