ሃገራዊ ኮንፈረንስ  ሕክምና ድጋፍ ኣካልን ተሃድሶን ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮንፈረንስ  ሕክምና ድጋፍ ኣካልን ተሃድሶን ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ ተባሂሉ።

ሓላፊ  ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለ፥ እቲ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚ ጉድኣት ኣካል ንዘጋጥሞም  ክፋል ሕብረተሰብ፣ ዘለውዎም ወድዓዊ ፀገማት ብምንፃር፣ ማሕበራውን ስነ -ልቦናውን ፀገማት ንምቅላል  ዕላማ ዝገበረ  እዩ ኢሎም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስትር ጥዕና ፌደራል ዶ/ር ኣየለ ተሸመ ብግደኦም፥ ከም ሃገር ልዕሊ 15 ሚልየን ጉድኣት ኣካል ከም ዘለው  ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘለው ጉድኣት ኣካል ንምሕጋዝ  እቲ ዝሳለጥ ኮንፈረንስ  ሓጋዛይ ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment