ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዘቕረቡሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዕዉት ንክኸውን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጠንካራ ድጋፍ ክገብሩሉ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ንኮሚሽን ተሃድሶን ሽግግር ፍትሒን እውን ተመሳሳሊ ድጋፍ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ኮሚሽናት ትምህርቲ ብምውሳድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዉ ዕድላት ምጥቃም ይግባእ ኢሎም።
ብመንፅር እዚ መንግስቲ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።