ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዕላምኡ ኣብ ከይዲ ምፍላጥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ  ሃገር ልዑል ምትሕብባረን ተቐባልነትን ከምዝረኸበ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዕላምኡ ኣብ ከይዲ ምፍላጥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ  ሃገር ልዑል ምትሕብባረን ተቐባልነትን ከምዝረኸበ ገሊፁ።

ምክትል ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሂሩት ገብረስላሴ ከምዝበልኡ÷  ክሳብ ሐዚ ምስ መራሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ካልኦተን ብምርኻብ ዕላምኡ ኣፋሊጡ ኢዩ ኢለን።

ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ እቲ ዘተ ውፅኢታዊ ንክኸውን ሓቢሮም ንምስራሕን ንምሕጋዘን ደልዋት ከምዝኾኑ መርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንዕውትነት እቲ ኮሚሽን መላእ ኢትዮጵያዊያን ነቲ ኮሚሽን ብምትሕብባርን ንምሕጋዝን ዘርእይዎ ዘለዉ እወንታዊ ስራሕ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ እተን ምክትል ኮሚሽነር ሓቲተን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment