ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ብገለልተኛ ብምስራሕ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበበ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ስራሕቱ ብገለልተኝነት ብምስራሕ ዝተውሃቦ ህዝባዊ ሓላፍነት ክዋፃእ ከምዘለዎ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቦም።

መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ምጅማር ስራሕ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ተኻይዱ።

ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ፥ ፖለቲካ ካብ ሃገር ንላዕሊ ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ብመሰረት ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ ዝተውሃቦ ህዝባዊ ሓላፍነት ገለልተኛ ብምዃን ታሪካዊ ስራሕ ሰሪሑ ምሕላፍ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ዝሳተፉ ፓርቲታት ፖለቲካ ከም ሓደ ኣካል ምዃኖም ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ናይቲ መድረኽ ዘተ በዓል ዋና ህዝቢ ስለ ዝኾነ ቅኑዕ ውሳነ ትፅቢት ዝግበረሉ ካብ ህዝቢ ከምዝኾነ እቶም ኣፈ ጉባኤ ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ትልሚ ኣውፂኡ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ኣድላዪ ሓይሊ ሰብ፣ ቢሮን እታዎታትን ክማለአሎም ስለዝግባእ ምስ ሚኒስቴር ገንዘብ ብምዝርራብ ኣድላዪ በጀት ከምዝስላዕ ሓቢሮም።

ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ብግደኦም፥ እቲ ሓላፍነት ዝሃቦም ህዝቢ ስለ ዝኾነ ሙሉእ ግዜኦም ሂቦም ብመንፈስ ሓላፍነት ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment