ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ምስ ተወከልቲ 56 መንግስታዊን ውልቀን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ይዛተ ኣሎ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሸን መስፍን ኣርአያ (ፕ/ር)፥ እተን ትካላት ስልጠናን እታዎታትን ብምሃብ ነቲ ኮሚሽን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪተን ኢየን ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ 11 ከልላት 15 ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዝተኸፈትሉ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ተምህርቲ ከምዘኾነ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ልዕሊ 1 ሺሕን 200 ፕሬዚዳንታትን ተወከልቲን እተን ትካላት ይሳተፉ ኣለዉ ተባሂሉ።
ብኣልማዝ መኮንን