ሃገራዊ ተሳትፎ ዳያስፖራ ዘጎልብቱ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተሰናዲኦም ኢዮም – ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሃገራዊ ተሳትፎ ዳያስፖራ ዘጎልብቱ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ከምዝተሰናድኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒሰስቴር ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 100 መዓልቲታት ምክያዱ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ለውጢ ውዳበ እቲ ትካል ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ዝተገበረ ውዳበ ሃገራዊን ክፍለ ኣህጉራዊን ጥጡሓት ኩነታትትን ማሕለኻታትን ኣብ ውሽጢ ግምት ዘእተወ ለውጢ ውዳበ ከምዝኾ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ዳያስፖራ ብምትሕብባር ሃገራዊ ጉዳያት ተሓንጊጡ ንኽንቀሳቐስ ክገብር ከምዝኸኣለ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ዳያስፖራ ጉሉህ ግደ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ተሳትፎ ዳያስፖራ ንምድንፋዕ መርሃ ግብሪታት ከምዝተሰናድኡ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዲና፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ባዛርን ኤግዚቪሽንን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ፓርክታት ዝግበር ዑደት፣ በዓል ልደት ኣብ ላሊበላ፣ መርሃ ግብሪ ልገሰሳ ደም፣ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሲዳማን፣ ዳያስፖራ ከም ኣቦን ኣዶን፣ ጥምቀት ኣብ ጎንደር፣ ስፖርታዊ ፌስቲቫልን ካልኦትን ከምዝርከቡዎም ገሊፆም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ማእኸላት ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ከመዝተጣየሹ ኣብሪሆም።

ወንደሰን አረጋኸኝ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment