ሃገራዊ ብልፅግና ጋህዲ ንምግባር ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትፅቢት ዝግበረሎም ግደ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ሕልሚ ጋህዲ ንኽኸውን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ባዕሎም ሃናፂ ግደ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ንኣባላትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምኡ እውን ንተወከልቲን ኣመራርሓን ኣቢያተ ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ስልጠና እናተውሃበ ይርከብ፡፡

ኣይተ ኣደም ኣብቲ ስልጠና ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ሃገራዊ ሕልሚ ጋህዲ ንኽኸውን ከም ሃገር ኣብ ዘቐመጥናዮም ሓበራዊ ሕልሚ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ባዕሎም ሃናፂ ግደ ክዋፅኡ ኣለዎም” ኢሎም፡፡

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብመንፅር ዘለዎም ህዝባዊ ሓላፍነት ሕልሚ ሃገር ንኽዕወት ኣብ ዝከታተሉዎምን ዝቆፃፀሩዎምን ኣብ ዝመረፆም ህዝቢን ልዑል ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕ ንኽሰርሑ ኣገንዚቦም።

“እዚ መበገሲ ብምግባር ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም” ምባሎም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment