ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያዊነት ከጠንክር ዝኽእል መድረኽ ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያዊነት ከጠንክር ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ እምበር ንጨቓጨቐሉ መድረኽ ክኸውን የብሉን ክብሉ ፖለቲከኛ ኣይተ ግርማ ሰይፉ ተዛሪቦም፡፡

ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢዜማን ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ግርማ ሰይፉ ወድዓዊ ሃገራዊ ዛዕባ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፣ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ብዋናነት ዘድሊ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ከጠናኽር ኣብ ዘኽእል ምርድዳእ ንኽንበፅሕ ዘድሊ ስራሕ ንኽንሰርሕ እዩ ኢሎም፡፡

ካብዚ ወፃኢ ረብሓ ዘይብሎም ጭቕጭቓት ሒዝና እንከራኸረሉ መድረኽ ክኸውን የብሉን ኢሎም።

ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከይተማኸርናሎም ዘሕደርናዮም ጉዳያት ኣለዉ ዝበሉ ኣይተ ግርማ፣ ዘየባእሱና ጉዳያት ኮፍ ኢልና እንተተዘራሪብና ክንፈትሖም እንኽእል ናብ ጠረጴዛ ብምምፃእ እዩ ክብሉ ኣልዒሎም።

እቲ ምኽክር ነዞም ዛዕባታት ብምፍታሕ ናብ ህንጸት ሃገር ንምኻድ ዕድል ዝፈጥር ተግባር ብምዃኑ ብፅቡቕ እማመ ከምዝሪኡዎ ገሊፆም።

ዝተወሰኑን ሃገራዊ ፋይዳ ዘለዎምን ዛዕባታትታት ዝረኣዩሉ ጥራሕ ክኸውን እዩ ኢልና ንኣምን እውን ኢሎም።

ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ኩሉ ሰብ ግድኡ ዘይምትሕውዋስን ዝምልከቶ ጥራሕ ክገብርን ከምዘለዎ ጠቒሶም እዚ ብግልፅን ብዝተማለአ ኩነታትን ፈልዩ ከኽይድ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣይተ ግርማ ኣተሓሒዞም ድማ ከም ቀሊል ስሕተት ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ ስሕተታት ሓደ ሃገር ናይ ፖለቲከኛታት ጥራሕ እትመስሎም ኣለዉ ምባሎም ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ፖለቲከታት እንተተስማዕሚዖም ሃገር እትስማዕማዕ ዝመስሎም ኣለዉ፤ ኣንፃራዊ ገለገለ ድማ ናይ መንድርን ቁሸትን ጸገም ናይሃገር ገይሮም ዝወስዱ ኣለዉ፡፡

ብዙሕ በቢብርኩ ዘለዉ ጸገማት ኣለዉ፤ ነዞም ጸገማት ድማ ብምኽክር ምፍታሕ እዩ ዘድሊ፤ካብዚ ወፃኢ ሃገር ናይ ፖለቲከኛታት ጥራሕ ገይርካ ምሕሳብ ስሕተት እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

እቲ ሃገራዊ ምኽክር እንተዘይተሳኺዑኸ ተባሂሉ ንዝለዓል ሓሳብ ካሊእ ሃገራዊ ምኽክር ክንፍትን ኢና እምበር ሃገር ኣይትፈርስን ምባሎም ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment