ሃገራዊት ጋንታ ኢዮጵያ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ታንዛኒያ ክተካይድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢዮጵያ ኣብ 2025 ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ ቀዳማይ መፃረዪ ፀወታኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ታንዛኒያ ክትፃወት ኢያ፡፡

እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ክካየድ ኢዩ።

ዋልያታት ትማሊ ኣብ ናሽናል ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ናይ መወዳእታ ልምምዶም ምግባሮም ሓበሬታ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፡፡

ሴኔጋላዊያን ኢሳ ሲይ (ዋና) ዳይና፣ ጂብሪል ካማራን ኖሃ ባንጎራ ሓገዝቲ ዳያኑ፣ ኤልሃጂ ኣማዱ (ራብዓይ) ዳኛ ከምኡ እውን ደቡብ ሱዳናዊ ማኩር ማሲር ብኮሚሽነርነት እቲ ፀወታ ንክመርሑዎ ብካፍ ተመዲቦም።

Comments (0)
Add Comment