ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም 2026 ሓምሻይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ክትገጥም ኢያ።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ምድብ ካብ ዝገበረቶም ኣርባዕተ ፀወታታት ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ኣብቲ ምድብ 5ይ ደረጃ እንትትቅመጥ፤ ተጋጣሚታ ግብፂ ብ10 ነጥቢ ነቲ ምድብ እናመርሐት ትርከብ።
ካዛብላንካ ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ላርቢ ዛውሊ ሎሚ መዓልቲ ለይቲ ሰዓት 6 ዝግበር ፀወታ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት÷ ሞሪሸሳዊ ዳይና ፓትሪስ ሚላዛር ማእኸል ዳይና ብምዃን ክመርሑዎ ኢዮም።
ኣብቲ ምድብ ዝርከባ ቡርኪናፋሶን ጅቡቲን ሎሚ ምሸት ሰዓት 1 ክራኸባ ኢየን።
ካልኦት ናይቲ ምድብ ሃገራት ሴራሊዮንን ጊኒ ቢሳውን ትማሊ ምሸት ዝገበረኦ ፀወታ፤ ብዓወት ሴራሊዮን 3 ን 1 ተዛዚሙ።
ሴራሊዮን ምስዓራ ስዒቡ ነጥባ ሸሞንተ ብምብፃሕ ኣብቲ ምድብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትቅመጥ ክኢላ።