ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሸሞንተ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ ብራዚል ብዘካየደኦ ኣኼባ ንኻደጋ ተቓላዒ ዝኾነ ደኒ ኣማዞን ካብ ጨፍጫፍ ንምክልኻል ኣብ ሓበራዊ ሸቶ ክሰማምዓ ከምዘይከኣላ ተገሊፁ።
ኣባል ሃገራት ትካል ቃል ኪዳን ምትሕብባር ኣማዞን (ኤ ሲ ቲ ኦ) ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኢየን ‘ሳንባ ዓለም’ እናተብሃለ ዝፍለጥ ደኒ ንምክልኻል ቁርፅ ዝበለ ሸቶ ንምውፃእ ዕላማ ዝገበረ ኣኼባ ንፈለማ እዋን ኣካይደን፡፡
ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ከምዘይተራኸባ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረኣዩ ማሕለኻታትን ኣብ ቅድሚ ዘንፀላለዉ ዕድላትን ሓበራዊ ስጉምቲ ስለዘድልዮም ንምርኻብ ከምዘገደደ ኣብሪሆም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ጨፍጫፍ ደኒ ጠጠው ንምባል ናይ ሓባር ዞባዊ ፖሊሲ ንኽሕንፀፅ ብምብርትታዕ ሃገሮም ጨፍጫፍ ደኒ ባዶ ንምብፃሕ ከምትሰርሕ ቃል ኣቲዮም።
መራሕቲ ሃገራት ብራዚል፣ ኮሎምቢያ፣ ፔሩን ቦሊቪያን መሪዎች ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢኳዶር፣ ቬንዝዌላ፣ ጉያናን ሱሪናምን ደኒ ኣማዞን ብሓባር ንምድሓን ዘኽእል ‘ኣዋጅ ቤሌም’ ዝተሰነየ ሰነድ ሓለዋ ከባቢ ምፍርራመን ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ።
ይኹን እምበር ኣብ ቀንዲን ጨፍጫፍ እቲ ደኒ ጠጠው ንምባል ኣብ ዝከኣለሉን ሓራዊ ፖሊሲ ዘይምስምዕማዕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ጉያና፣ ሱሪናምን ቦሊቪያን ኣብ ሓበራዊ ሸቶ ብዘይምስምዕማዕ እቲ ኣኼባ ረጊፀን ከምዝወፅኣ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com