ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ነባራዊ ኩነታት ህዝበን ዝጠዓዓም ኣማራፂ ፖሊሲ ክኽተላ ከምዝግባእ ተገሊፁ  

ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 14 ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ነባራዊ ኩነታት ህዝበን ዝጠዓዓም ኣማራፂ ፖሊሲ ክኽተላ ከምዝግባእ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ኣብ ዘዳለዎ መበል ራብዓይ ሴሚናር ፓርቲታት ፖለቲካ ቻይና ኣፍሪካ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ብኢንተርኔት ዝተኻየደ ሴሚናር ዝተሳተፉ ሓላፊ ዓውዲ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ÷ ኣብ ዓምዩቕ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ሃገር ቦቀል ፖሊሲ ዕብየት ብምትገባር ምዕባለ ንዕብየት ኢትዮጵያ ምስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብመሰረት ዝተተግበረ ሃገር ቦቀል ፖሊሲ ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘዕግብ ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዝተመዝገበበዶክተር ቢቂላ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዓበይቲ  ፕሮጀክትታት ምዝዛማ ብምሕባር ናይ ህዳሴ ግድብ ድማ ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ምግላፆም ካብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment