ሃገራት ኣብ ሊቢያ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይልእኻ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሊቢያ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ምልኣኽ ጀሚረን።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ሊቢያ ከተማ ደርና ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ÷ ክሳብ ሕዚ 5 ሺሕን 300 ሰባት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑ ተሓቢሩ፡፡

በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰባት ናብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ኣብ ጅምላ መቓብር እናተቐበሩ እንትኾኑ÷ ቁፅሪ መወትቲ ካብዚ ንላዕሊ ክዛይድ ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡

ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት በቲ መስካሕኽሒ ሓደጋ ውሕጅ ዝጠፍኡ ዜጋታት ኣብ ዝፈራረሱ ኣባይቲ እናተኣላለሹ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ጎኒ ሊቢያ ከምዝኾና ብምግላፅ÷ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ እናለኣኻ ይርከባ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ÷ ኣብ ሊቢያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ዜጋታት ስድራቤትን ዘመድ ኣዝማድን ምፅንዕናዕተመኒዮም፡፡

ኣሜሪካ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሊቢያ ጠጠው ከምትብል ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት÷ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተልኣኸ ኣረጋጊፆም፡፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ካልኦት ትካላ ሰብኣዊ ሓገዝ ንተጎዳእቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም፡፡

ብተመሳሳሊ ጀርመን፣ ቱርክ፣ ኢራን፣ ጣልያን፣ ኳታርን ግብፂን ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ሊቢያውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝለኣኻ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment