ሃገራት ብሪክስ 45 ትሪሊየን ዶላር ኢንቨስት ክግበር ዝኽእል ሃፍቲ ከመዘለወን ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ብሪክስ 45 ትሪሊየን ዶላር ኢንቨስት ክግበር ዝኽእል ሃፍቲ ከመዘለወን ፀብፃብ ሃፍቲ ብሪክስ ሄንሌይን ፓርትነርስን ኣመልኪቱ።

ቅድም ክብል ሩሲያ፣ ህንዲ፣ ቻይና፣ ደቡብ ኣፍሪካን ብራዚልን ሓቝፉ ዝነበረ ብሪክስ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ኢራን፣ ግብፂን ሕራት ኤሚሬታት ዓረብን ብምፅምባር እቲ ጉጅለ ከምዝተስፋሕፈሐ ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ዓሰርቲአን ሃገራት ኣብዚ ሕዚ እዋን 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ውልቀ ሰባት ልዕሊ 1 ሚሊየን ዶላር ኢንቨስት ዝገበሩ ውልቀሰባት ከምዘለዉወን ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 4 ሺሕን 700 ውልቀሰባት ልዕሊ 100 ሚሊየን ዶላር ኢንቨስት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ድማ ቢሊየነራት ኢዮም ተባሂሉ፡፡

45 ሚኢታዊ ህዝቢ ዓለም ዘጠቓልል እቲ ሕብረት፥ 36 ሚኢታዊ ዝኸውን ዓለም ለኻዊ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ከምዝሕዝ እውን ተገሊፁ፡፡

እዚ ድማ ምስ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 እንትነፃፀር 30 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ተመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ልዑል ዕቤት ውልቀ ሃፍቲ ከምዘርአያ ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment