ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተሳተፋሉ ወታሃደራዊ ፎረም ልውውጥ ሓበሬታ ኣብ ኣዲሰ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሸውዓተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ዝተሳተፋሉ ፎረም ወታሃደራዊ  ልውውጥ ሓበሬታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ፎረም ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰላምን ምርግጋዕን ከምኡ እውን ፀገማት ፀጥታ ብምልላይ ልውውጥ ሓበሬታን ልምድን ዕላማ ዝገበረ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበሩ ዋና ሓላፊ መምርሒ ሓበሬታ ምክልኻል ሰራዊት ፌዴርኢ ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፥ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ኮነ ስግኣት ዶብ ተሳጋሪ ምዃኑ ልውውጥ ሓበሬታን ምትሕብባርን ኣድላይ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ሎሚ ዝተጀመረ ፎረም ድሕንነት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝሕለወሉ ስምምዕነት ሓባር ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ እዮም ዝገለፁ።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝንቀሳቐሱ ብርክት ዝበሉ ግብረ ሽበራውያን ምህላዎም ዝሓበሩ እቶም ሌተናል ጀነራል፤ እቶም ግብረ ሽበርያውያን ዘብፅሕዎ መጥቃዕቲ ብሓባር ንምክልኻል ቅድመ ትንተና ሓበሬታን ምድላውን ንምግባር ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ የኽእል እዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሐዚ ብተናፀል ምስ ገለ ገለ ሃገራት ይስራሕ ዝነበረ ስራሕ ደሕንነት ብሓድነት ምስ ኩለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ሰነድ ስምምዕነት ሓባር  ከምዝፈራረማ ሓቢሮም።

እቲ ፎረም ካብ ሎምዓንቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልትታት ክካየድ እዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment