ሃይማኖት ጉልባብ ብምግባር ንተግባር ግብረ ራዕዲ ዝዳለዉ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃይማኖት ጉልባብ ብምግባር ንተግባር ግብረ ራዕዲ ዝዳለዉ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ቦሌ ቡልቡላ ኣብ ዘዳለውዎ ገዛ ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰባት ብምውዳብ ወተሃደራዊ ስልጠና እንትህቡ ዝነበሩን ካብ ኣስተምህሮ ሃይማኖት ብዘፈንገደ መገዲ ልምምድ ኣፅዋር ኲናት ኣብ ዝገብርሉ እዋን ከምዝተትሓዙ ገሊፁ።

ኣርባዕተ መሕብኢ በዕቲታትብምፍሓር ንተግባር ጥፍኣት ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ እውን ሓቢሩ።

4 ጳጉሜን 2014 ዓ.ም እቲ ጉጅለ ክትትል ብዘካየዶ ወፍሪ ኣርባዕተ ጠበናጁ ምስ 385 ጠያይቲ፣ 12 ካዝና ክላሽን፣ ኣርባዕተ ሽጉጥ ምስ 29 ጠያይቲ፣ ክልተ መፍሓሪ ማሽን፣ ክልተ ቪዲዮ ካሜራ፣ ክልተ ኮምፒውተርክልተ ላፕቶፕ፣ 6 ሃርድ ዲስክ፣ ኣርባዕተ ሲዲ፣ 5 ፍላሽ፣ ኣርባዕተ መብራህቲ ገንበር፣ ኣርባዕተ ሚሞሪ ካሜራ፣ ክልተ ማይክራፎን፣ 300 ዩሮን 390 ሺሕ ብርን ብመረዳእታ ከምዝተትሓዘ ገሊፁ።

ብመሰረት ካብ ህዝቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ 31 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment