ሃይማኖታዊ ክብሪታትና ንሓድነትን ሕብረትን ፅኑዕ መሰረት ኢዮም – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃይማኖታዊ ክብሪታትና ንዘላቒ ሰላም፣ ሓድነትን ሕብረትን ህዝቢታት ፅኑዕ መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ተዛሪቦም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣይተ ኣገኘሁ ኣብ መልእኽቶም፤ ሃይማኖታዊ ክብሪታትና ንዘላቒ ሰላም፣ ሓድነትን ሕብረትን ህዝቢታት ፅኑዕ መሰረት ዘንብሩ ስለዝኾኑ÷ በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንትኽበር ንሓድነትን ሰላም ቅድሚት ብመሃብ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣስተምህሮ እቲ ሃይማኖት ብዝእዝዞ መሰረት ኩሎም ተኸተልቲ እቲ እምነት ዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ፍቕሪን ምትሕስሳብን ብምፅናዕ ናይ ባዕሎም ብፅሒት ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ዝተጀመረ ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ጫፍ ንምብፃሕን ሰላም ገገር ንምሕላውን መላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ግደኦም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment