ሃይማኖታት ዶብ መንግስቲ እንተይሓለፉ፥ መንግስቲ እውን ዶብ እምነታት እንተይሓለፈ ትካላዊ ብዝኾነ መልክዑ ክንደጋገፍ ኢና- ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃይማኖታት ዶብ መንግስቲ እንተይሓለፉ፥ መንግስቲ እውን ዶብ እምነታት እንተይሓለፈ ትካላዊ ብዝኾነ መልክዑ ክንደጋገፍ ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከነቲባ ኣባላት ቤት ምኽቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 6 ኣዋርሕ ኣድሂቦም ዘልዓልዎ ሕቶታት ምላሽ ሂበን።

ምስ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ከምኡውን ጉዳያት ሃይማኖት ኣመልኪቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት እወን ኣብሪሀን።

እታ ከተማ ተሓሲቡዋ መስ ዝነበረ ትልሚ ኣንፃር እንትረአ ዕዉት ሓለዋ ፀፅታ ምስርሑ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ገበን ምስ ምትራፍን ልዕልነት ሕጊ ምስ ምኽባርን እንትረአ ብዙሓት ዝተርፉ ነገራት ከምዘለዉ ኣገንዚበን።

ውዳበ ፀፅታ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ “ውዳበ ፀፅታ ኣዚዩ ዝምስገን ስራሕ ምስርሑን ብፍላይ ገበነኛታት ንመሓዝ ክብሉ ቡምባ ተሸንዲዉሎምን ተደብዲቦምን ክሳብ ሞት ዝበፅሐ መስዋእትነት ብምኽፋሉ ምስጋና ዘግበኦ ኢዩ” ኢለን።

ፖሊስ እታ ከተማ ካብ 1997 ንደሓር ፀገም ተፀዋዓይነት ከምዘለዎ ብምሕባር፥ ብፍላይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓባይ ስለዝኾነት ሪፎርም ፖሊስ ምግባር ከምዝግበኦ ገሊፀን፡፡

ምስ ርክብ ሃይማኖትን መንግስቲን ኣብ ዝምልከት ወይዘሮ ኣዳነች ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ ሓደሓደ ሰባት ናይ ለውጢ መንግስቲ ንሃይማኖት ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ከምዘለዎ ገይሮም ከምዘቕርቡ፤ ይኹን እምበር እቲ ሓቂ ካሊእ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

“ንሕና ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ዝወከልናዮ ሰብ የለን” ዝበላ እተን ከንቲባ፥ “ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ እምነት ዝወደብናዮ ሶሻል ግሩፕ የለን፤ ናትና ርክብ ፍፁም ትካላዊን ሴኩላሪዝም መምርሒ ዘይጥሕስን ኢዩ” ኢለን፡፡

ኣብ ሰላምን ሃገራዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ንተሓባበረሎም ዛዕባታት ኣለዉ፤ ሃይማኖታት ወሰን መንግስቲ እንተይ ሓለፉ፤ መንግስቲ እውን ዶብ እምነታት እንተይተሳገረ ትካላዊ ብዝኾነ መልክዑ ክንተሓጋገዝ ኢና” ክብላ ኣብሪሀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment