ሃዋሳ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ምስ ብሄራዊ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ኬኒያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃዋሳ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ምስ ብሄራዊ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ኬኒያ ብሓባር ኣብ ዓውዲ ጨርቃመርቂ ኢንዳስትሪ ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት ንተምሃሮን መምህራን ክልቲአን ኮሌጃት ምልውዋጥ ልምዲን ሽግግር ፍልጠትን ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምጥንኻር ረብሓ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኬኒያን ሃሰን ኑር ሃሰን ከምዝበልዎ፥ እቲ ሰነድ ኣብ ተምሃሮን መምህራንን ክልቲአን ሃገራት ልምድ ልውውጥን ሽግግር ፍልጠትን ንምግባር ዓብዪ ዓቕሚ ኢዩ።

ብቑዕን ተቐራራቢ ፍልጠትን ዘለዎም ሙያተኛታት ንምፍራይ ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም።

ብታምራት ቢሻው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment