ሃላላ ኬላ ተዘሪቡ ዘይፅገብ ታሪክ ዘለዎ ከባቢ ኢዩ- ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሃላላ ኬላ ተዘሪቡ ዘይፅገብ ታሪክ ዘለዎ ከባቢ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኣዲ ንሃገር መርሃ ግብሪ ምጅማር ቀዳማይ ምዕእኣፍ ህንፀት ፕሮጀክት ኮይሻ ብምርካብ መደረ ኣስሚዖም።

ንሕን ንቐንኣሎም ብዙሓት ሃገራት ወፃኢ ምዳን ሓሸዋ ዝበዝሖምን ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኮይሻ ሓዊሱ ኣብ ዞባ ዳውሮ ዘለዉ ተፈጥሮኣዊ መስሕብ ቱሪስታት ከባቢያዊ በረከታት ብምዃኖም ዘለዎም ታሪክ ብዝምጥን መልክዑ ብዝግባእ ኣልሚዕኻ ምጥቃም ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዞባ ብዝተፈላዩ ካላስተራት ተኸፋፊሉ ከከም ፀጋ እቲ ከባቢ ንክለምዕ ብትልሚ ንዝተትሓዘ ፕሮጀክት እውን እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ከምኣቦታትና ኣብ ጉዕዘና ዝጀመርናዮ ኩሉ ክንዛዝም ኢና ብምባል፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ሓደ ዓመት ብምዝዛም ክነመርቕ ኢና ኢሎም።

መንግስቲ እቲ ክልልን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ግቡእ ክትትል ኣፈፃፅማ ንክገብሩ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

ብሶዶ ለማ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment